መርሓባ!

ከነላልየኩምዶ ምሳና!

 

ፍልጠት ንትምህርትን ንምርምርን ዝዓለመ ኰይኑ፣

ብቐዳምነት ባህላዊ ጸወታታትን ስነ-ጽሑፍ ግእዝን ብፍላይ ንኣብ ደገ ዝቕመጡ

መንእሰያት ኤርትራውያን ንምልላይ ይዕልም።

 

እቶም ቀንዲ ዕላማታቱ ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ኰይኖም ይርከቡ፥

-         ናይ ሓባር ጸወታታት (ንኽሎም ብሓባር ክጻወቱ ዝደልዩ) ምፍራይ

-         መሃርትን ዘዘናግዑን ምህርትታ (ከም ሰተታ ጸዋታ) ምፍራይ

-         ክሳብ ሕጂ ዝፈረዩ

o       ጸወታ - ፍልጠት - ባህላዊ ጸወታ ምስ መባእታ ፊደላት ግእዝ ዝሓዘለ

o       ጸወታ - ቃላት - ባህላዊ ጸወታን ምልላይ ምስ ሓደ ብግእዝ ዝጽሓፍ ቛንቛን (ቃላትን ስነ-ሓሳብን ምግጣም)

-         መባእታ ጽሑፋት ንንኣሽቱን ንኽሎም ንብግእዝ ዝጽሓፍ ቛንቛ ክምሃሩ ዝህቅኑ።

o       ኣብ ምድላው ዘሎ

 

ፍልጠት ብኣባላት ደንበ-ፍልጠት ተመስሪቲ ብነጻ ድሌትን ተብግሶን

በዘይ ገለ ናይ ውልቃዊ ዕላማ ሰነ-ጥበባዊ ስረሓቱ የካይድ።

ንዝኸነ ሓበሬታን ነቐፈታን፣ ሃናጺ ሓገዝን ድማ ሓንጎፋይ ኢሉ ይቕበል።

 

ፍልጠት ነእምሮ የበልሖ

የእምሮ ንፍልጠት የስብሖ

የእምሮ ምስ ፍልጠት ንዓይኒ የንቅሖ።

(ጳውሎስ ገ/ወልዲ)

 

 

Paulos Ghebreweldi, Darmstadt/Germany

pghebrew@web.de

www.filtet.org www.erikids.net