Posted
Comments None

እንታዩ ጉዳ፣ እዛ ዋዕላ
ሓደ ኣብ ውሻጠ፣ ሓደ ኣብ ቀላይ፣ ሓደ ኣብ ጓይላ
እዛ መርዓት ተሰሪሓ ዓንቢባላ
ኣደ ሓርቢትዋ ምስዛ ጓላ
ቦኽራ ከይርኣየት መበለት ተቐቢላ።

እንታዩ ጉዳ እዛ ዋዕላ
ቆፍኣ ብምልኡ ነቐዝ ክበልዓላ
እንተቐረብካያ ጋግ ዘይትድፈር ሓይላ
ወይ መርዓት ቁኖ ስላማት ዝዓሰላ
ኣይ ደርፊ ኣይ ግጥሚ ዕብስቲ በሰላ
ቦኽራ ከይርኣየት መበለት ተቐቢላ።

እንታዩ ጉዳ እዛ ጋብላ
ዒላ ብምልኡ ስኢና ማይ በሰላ
ጐባያት ቀራናት ስኢነን ሓርየት ሓተላ
ዘጋፍ ሓለንጋይ ረሲዕወን ክዘልል ኣብ ባላ
እዋን ሓሊፉ ደሃዩ ኰብሊላ
ጐባያት ምስ መርዓት ሰፊረን ኣብ ገበላ
ባላ ክፈተለን ከምርሓ ንጋብላ
መልክዔኛ መርዓት ዘይትድፈር ሓይላ
ቦኽራ ከይርኣየት መበለት ተቐቢ።

Author
Categories

Posted
Comments None

ዘረባ ካብ ጐረቤት ንጐረቤት ተሰገረ
ካብ መሓዛ ናብ መሓዛ ተበረረ
ካብ ጓና ናብ ሓመኛ ሰጊሩ ብዕላል ተመቀረ
ብተፈላለዩ ቛንቛታት ተሓንኪሩ ተተቐየረ
ዳኛ ሲኢኑ ኣብ ዓዲ ተዓንደረ
ሓቂ ተቐቢሩ ሕሜት ተዓመረ
ብተፈላለየ መልሓስ ተተሓንከረ
ሞጎት ሃሲሱ በለካ ተኸበረ
ጽልኢ እምበር ፍቕሪ ነይተረረ።

Author

Posted
Comments None

ፍልጠት ነእምሮ የበልሖ
የእምሮ ንፍልጠት የስብሖ
የእምሮ ምስ ፍልጠት ንዓይኒ የንቅሖ።

Author

← Older Newer →