ብሓፈሻ ኣረጊት ባቲሪ ብጥንቓቐ ኣብ ፍሉይ መጉሓፊ ቦታ ክእከቡን ክእለዩን ከምዘሎዎም ተሪዲእና ኔርና። ኣብዚ ሓጺር ዝቕጽል ጽሑፍ ከኣ እቲ ንሶም ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባትን እንስሳን ኣታኽልትን ዘስዕብዎ ሕማማትን ጉድኣትን ክንርኢ ኢና። ኣረጊት ባቲሪ ፈቀዶ ቦታ ብዘይግቡእ ምዝጉሓፍ እቶም መርዛማት ቀመማቱ ብንፋስ፣ ብማይ ወይ ምግቢ ኣቢሉ ናብ ኣካላት ወድሰብ፣ እንስሳ ወይ ኣታክልቲ ክሰርጽ ይክእል። እዚ ብቐጥታ ወይ ከኣ ብተዛዋወሪ መገዲ ክስዕብ ይክእል።
ብፍልይ ዝፈሰሱ ወይ ደጋዊ ዝባኖም ዝትኸፍተ ባቲሪታት ቀጥታ ብእድካ ካብ ምሓዝን ኣብ ማያት ምድርባዮምን ንጥዕና ዓቢ ሓደገኛ ምኻኖም ክንግንዘብ ይግባእ። እቲ መርዛዊ ሓዘል ኣምዕቶም ከኣ ብኢድ ኣቢሉ ቀጥታ ናብ ውሽጢ ኣካላት ደቂሳባትን እንስሳን ኣትዩ ንጥዕና ኣስጋኢን ሓደገኛን ይኸውን።
እቶም ንጥዕና ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ ቀመማት ባተሪ (ሄቪ-መታልስ/heavy metals)፣
ካድሚም /Cadmium (Cd)
መርኩሪ / Mercury (Hg)
ሊድ / Lead (Pb)
ብመሰረቱ መብዛሕቶም ሄቪ-መታልስ/heavy metals (ሜታል ቀመማት) ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ንጥዕና ናይ ወድሰብ፣ እንስሳን ኣታኽልትን በከልቲን ሓደገዓታትን እዮም።
እዚም ቀመማት እዚኦም ካብ ኣረጊት ባትሪ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ግሓፍ ፋብሪካታት ወይ ድማ ካብ ናይ መካይንን ፋብሪካታትን ትክታትን ጉሓፍን ብተዘዋወሪ መገዲ ብማያትን ንፋሳታትን መግብን ኣቢሎም ናብ ኣካላት ሰብን እንስሳታትን ክሰርጹ ይኽእሉ እዮም።
እዞም መርዛማት ቀመማት ኣብ ወድሰብን እንስሳታትን ዝስዕብዎ ቀንድን ሓደገኛታትን ሓማማት፣
መርኩሪን (Hg) ምስኡ ተዋሲቦም ዝርከቡ ቀመማትን ብጣዕሚ ንጥዕና ሓደገኛ ከይኖም ኣብተናወሔ እዋን ናይ ነርቪ፣ ሓንጐል፣ ጸረ-ህዋሳት፣ ናይ ፍርያት ጽግን ዓቢ ጉድኣት የውርዱ።
ካድሚም (Cd) ሓደ ካብቶም ሓደገኛ ናይ ኩሊት ጉድኣት ዘስዕብ ኰይኑ ናይ መንሽሮ ሕማምውን የውርድ ብፍላይ ምስ ንፋስ ኣብ ኣካላት ምስኣቱን ዝሰርጽን።
ሊድን (Ld) ምስኡ ተወሃሂዶም ዝርከቡን ሓደ ካብቶም መንሽሮን ኣካላትን ዝምርዙ ቀመማት እዮም። ኣብ የዕጽምቲ ኣናተዓቕሩ ከኣ ሓደገኛ ናይ ነርቪ ሓማማትውን የስዕቡ።
እቶም ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቀመማት ዘይሓዘሉ ባተሪታት እንተዀኑውን ካልኦት ብመጠኑ ንጥዕና ጐዳእቲ ቀመማት ሒዞም ይርከቡ። ንኣብነት ከም ኒክል (Nickel)፤ ማናጋን ኦክሲድ (manega oxid) ወይ ሊትዩም (Litium)። ስለዚ ብመሰረቱ ዝኣረጉ ባተሪታት ኣብ ፍሉይ ናይ መኤከብን ምእለይን ቦታ ክጐሓፉ ይግባእ። ምስ ናይ ገዛ ጐሓፍ ምግሓፎም ቅቡል ኣይኰውንን፤ ክኽልከልውን ይግባእ። ተመሊሶም ምስ ማያትን ንፋሳትን መግብን ኣቢሎም ኣብ ኣካላት ሰብን እንስሳን ከምዝሰርጹ ምፍላጥ የድሊ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ብሰንኪ መርዚ ባተሪ ዝመጹ ሕማማት እቶም ቀንዲን ኩሉ ግዚ ዝርኣዩን ዘስዕብዎምን ሕማማት ክዀኑ ኰለዉ፣ ካልኦት ተፈላለዩ ሕማማት ከምዘስዕቡውን ብዙሓት ተማራመርቲ ናይ ባህርያትን ሕክምናን ይሕብሩ።
ኣብ ከባቢና ዘለዉ ቀላያትን ዒላታትን ቀወምቲ ወይ ዘይፈሱ/ዘይውሕዙ ማያት ስለዝዀኑ ብኣረግቶት ወይ ጉሓፍ ናይ ሄቪ-መታልስ/heavy metals ብቀሊሉ ክብከሉ ይኽእሉ። ንብዙሕ ግዜ ወይ እዋን ድማ ነቲ መርዛም ቀመም ሓቚፎሞ ይነብሩ። እዞም ዒላታት ወይ ማያት ብግቡእ በብግዚኡ ብሳይንሳዊ መገዲ ክምርምሩን ክፈተሹን ኣለዎም። እቲ ቀንዲን ልዕሊ ኽሉን ግን ቀመማዊ ጉሓፍ ክምእውን ኣረግቶት ባተሪታት ብግቡእ ምእላይን ምዕቃብን። ከምቲ ምስላ ኣቦታትናን ኣዴታትናን – ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ – ዝብሃል ከይንኸውን ቅድሚ ሓሚምምና ናብ ሓኪም ምስጓም ከባቢና ምብካልን ምምራዝን ምጥንቓቅን ምንቃሕን ይግባእ።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሊቲዩም (Litium) ዝሓዘሉ ባተሪታት ምስ ንፋስን ማይን ምዝራኸቡ/ዝዋሰቡ ባርዕን ካልእ ርኣክሽን/ተውስቦ/reaction ክፈጥሩ ዝሰለዝኽእሉ ምጥንቃቕ የድሊ። ብፍላይ ነዚኦም ዓይነት ባተሪታት ምክፋቶም ወይ ዝባኖም ምቕላጦም ወይ ምቕጥቃጦም ብጣዕሚ ሃደገኛ ምኻኑ ምርዳእ የድሊ። ቘሉዑት ክይጻወትሎም ከኣ ምእላዮም።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እዞም መርዛማት ቀመማት ካብ አረጊት ባተሪ ጥራይ ዝምንጭው ኣኰነኑን እንታይ ድኣ ካልኦት ብዙሓት ምንጪ ወይ ፈልፋሊ ኣለዎም። ካብ ናይ ማዕድን ስርሓት፣ ናይ ኢንዱስትሪ ጉሓፋት፣ ካብ ኣረጊት ልቺ (fluorescent tube, energy-saving bulb etc) ካብ ቮልካኖ ዝውጹ ጋሳት፣ ናይ ማካይን ትኪ ንኣብነት ብፍላይ ሊዲ-ሓዘል/leaded petrol/ በንዚን ዝጥቀማ መካይን ወዘተ ክመጹ ይኽእሉ።
ብዘይ ንቕሓትን ሓላፍነትን ኣረጊት ባተሪ ወይ ናይ ኢንዳስትሪ ጉሓፍ ኣብ ፈቐድኡ ምጉሓፍን ምስ ናይ ገዛ ጉሓፍ ምድራባይን ተመሊሱ ብቐጥታን ብተዘዋወርን መገዲ ይጐድኣና። ንኣብነት እቲ ናይ ከተማ ጃምላዊ ጉሓፍ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ምስዝቃጸልን ዝነድድን እቶም መርዛማት ቀመማት ምስ ትክን ደሮናን ተሓዊሶም ብቐጥታ ብሳንቡእ ኣቢሎም ኣብ ኣካላት ወድሰብን እንስሳን ይሰርጹ። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኣብ ማያትን ሕርሻዊ ገርሁ ብምዕላብ ምሲቲ ንሰትዮን ንበልዖን ፍረታትን የሕምልትን ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ ኣካላትና ይኣትዉ። ምንም እኳ ብቐጥታ ኣይንሕመም እምበር እቲ ሶዕቤኑ ግዚኡ ሓሊዩ ክምዘርክበናን ዘጥቅዓናን ምርዳእ ይግባእ።
ኣብዚ እቲ – ጉሓፍን ምእላይ ጉሓፍን – ዝብል ኣርእስቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክዝረበሉን ብሓላፍነት ከኣ ሓደ ስጉምትን ተበግሶን ክውሰደሉ ዘለዎ ኣርእስቲ ኰይኑ ይስምዓኒ። እቲ ናይ መጀመርያ ስጉምቲን ጐስጋስን ኣብ ንቕሓትን ትምህራትን ናይቲ ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ። ካብ መውዓል ሕጻናት ክሳብ ዝልዐለ ደረጃ ትምህርቲ ከኣ እዚ ኣርእስቲ ኣብ መደብ ትምህርቲ ክኣቱ ይግባእ።
ካብኡ ሓሊፉ ከኣ እቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሓደ ጽኑዕ ናይ ጉሓፍ ከም ኣረጊት ባተሪ ኣተኣላልያ /waste managament ክውጥን ናቱ ቀዳማይ ዕማም እዩ። ዝተፈላለዩ ጽፍሕታትን ምምሕዳራትን ካአ ከም ኣካል ስርሖም ክወስድዎ የድሊ።
ብዛዕባ እዞም መርዛም ቀማማት ክሳብ ሎሚ ዘስዓብዎም ሕማማት ዝምልከት መጽናዕቲ ኣሎዶ ንዝብል ሕቶ ኣብዚ እዚ ጻሓፋይ ዝፈልጦ ምንጪ የለን። ግን የለን ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ብዙሓት ሕቶታት ክትስኡን ክነቕሉን ይኽእሉ እዩም። ብሰንኪ እዞም መርዛማት ጉሓፋትን ቀመማትን ዝሰዓቡ ሕማማትከ ክሳብ ክንደይ ጐሊሖም ይርኣዩ? እንታይ ዓይነት ሕማማት ኣብዚ ዝሓለፈ 10-20 ዓመታት ጐሊሖም ይርኣዩ? ንኣብነት ናይ መንሽሮ፣ ኩሊት ወይ ሳንቡእ ሕማማት ክሳብ ክንዳይ ካብ ቀደም ወሲኾም ይርከቡ? እዞም ሕማማት እዚኣቶምከ ምስዞም መርዛማት ሄቪ-ማታልስ ዝትኣሳስሩድዮም? ናይ ሕክማና ኣባላትከ ክሳብ ክንደይ ብዛዕብኦም ኣፍልጦ ኣለዎም? ብዛዕባዞም መርዛማት ቀመማትን እቲ ንሶም ዘስዓብዎ ሕማማትን ጉድኣትን ጸብጻባት ኣሎ? ወዘተ።
ተወሳኺ ሓበሬታ፣
http://en.wikipedia.org/wiki/Heavy_metal_%28chemistry%29
http://www.umweltbundesamt.de/presse/presseinformationen/batterien-im-test-zu-viele-schwermetalle
http://www.planet-wissen.de/alltag_gesundheit/muell/sondermuell/batterie_recycling.jsp