መርሓባ!
መኣዲ ግጥሚ!
ወይ
በለስ!!
በለስ
ሽምካ ብለስ
ክንደይ
ከ እብለካ ደስ
ንኣደ
ሕጻን ተሕድስ
ንዓቢውን
ትብል ክምስ
ንጎርዞውን
ትብል ሕፍስፍስ
ንመርዓትውን
ትብል መስምስ
ንበጽሕ
ውን ትብል ሃስስ
ንኽሉ
ትብል ደስደስ።
ኣታ
በለስ ትወርድ ብሞቕለብ
ኣታ
በለስ ብዘንቢል ትእከብ
ኣታ
በለስ ብቐጽሊ ትንገፍ፣
ትሕብሐብ
ኣታ
በለስ ብሰንጢ ብላማ ትቕለጥ
ኣታ
በለስ ዝባንካ ተቐሊዕካ
ንዓይኒ ትመስጥ
ኣታ
በለስ ንሙዕግርቲ ምስ
ትልሐግ ትሕፍስ
ኣታ
በለስ ብመልሓስ ኩርምቲ
ትኽወስ
ኣታ
በለስ ክረምቲ ፈሪኻ ቀውዒ
ትሕስኽ ትብስብስ!
ኣታ
በለስ መኣዛ ህዋሳት፡
በሓቂ ተሕጉስ
ቀጽል
ንበር፡ ድኻ ክዕንገል
ክሕጎስ።
ደቀቕቲ
ኽንቲትካ፡ ንዓይኒን ንኢድን
ኣይግድን
ናኢድ
አዕቢቕካ ትሕክኽ ትሕንኽ
ንዓይኒ
ኣንቢዕካ ብመልሓስ ትሕክኽ
ኣሎ
ውን ጊዜ ንቐልቐል ትለኹኽ።
ሰብ
ምስ እንስሳ ዝምርቕ ይበዝሕ
ዘርእኻ
ይጠጥዕ፡ ወለዶ ኽሰብሕ።
እታ
በለስ እንታዩ ምስጢርካ
ተዛርብ
ተንትን እስከ ናይ ውሽጥኻ
ስዋን
ብርዝን ዶ ኣይምወጸን
ካብ ጽማቕ ኣምዑትካ
ድልኽን
ዘቢብን ዶ ኣይምወጸን
ካብ ጥጡቕ ጽማቕካ
ልኻይን
ጠስምንዶ ኣይምወጸን ካብ
ፍርያት ኣካልካ
ፈውስን
ቀመምንዶ ኣይምወጸን ክብ
መረቕ ውሽጥካ
ምስጢር
ሕቑፍኻ ኣይፈለጡን ድኻታት
ዓድኻ
ኣብርሀሎም
ንገሮም ክሰፍሕ ቁምነገርካ።
ሙቁር
በለስ! ኣበዩ መበቆልካ
ስግር
ባሕርድዩ ዋላስ ጎበታት
ዓድኻ
ፍረ
ድዩ ገላዕታ መቦቆል ዘርእኻ
መራጺ
ጎቦታት ሽንጭሮ ካብ ስቡሕ
ዋላኻ
ኣይትፈቱን
ከበሳታት ምስ መታሕት
በረኻ
ድርፎ፡
ዓርበረቡዕ፡ ሰገነይቲ
ዝዓድኻ
ትግራይ
ትግሪኚ መንከ ዘይበጽሓካ
ተዕግብ
ትዕንግል ናይ ክራማት
ድኻ
ምህላውካዩ
ውሳኒ ካብ ምሕታት መቦቆልካ።
በለስ - የካቲት 2006/ተገጳ
Paulos Ghebreweldi,
Darmstadt/Germany
www.filtet.org
www.erikids.net