ግዓት ኣብ ቁራዕ

Posted
Comments 1

መርዓት ገዛ፤
ሳንዳይ! መርሓባ መጺኽናለይ
ቀርባለይ፤ እዛ ጉልሻይ
ወልዓለይ፤ ሓዊ ኣብ እቶነይ።

መርዓት ጐረቤት፤
ኣትን ሳንዳይ! ንምንታይ ንምንታይ
ሓርጭ ጠስሚ፤ ካባይ ካበይ።

መርዓት ገዛ፤
ወይ ሳንዳይ፤ እዚ ኽሉ ሃብቲ ደምበይ
እዚ ጠስሚ ናይ ሓሞይ
እዚ ሓርጭ ናይ ሓማተይ
እዚ ሕሉብ ናይ ከብተይ
እዚ ቁራዕ ናይ ገዝመይ
ክግዕትየ፤ ክግዕተልክን ኣብ ውሻጠይ።

መርዓት ጐረቤት፤
ሳንዳይ! ግዓትክን ግዓተይ
ኣይረፈደን፤ ኣይቀሰነን ልበይ
ክሕሉየ ገበላ፤ ገዓታ ገዓታለይ።

እቶን፤
ሓርጭ ተሰፍረ ብምሰ
ብሓኸለ ዝንባኑ ተሓመሰ
ብሞቕሎ ኣምዑቱ ተፈሰሰ
ኣብ ቁራዕ ምስ ሐንበሰ
መዀስ ተደቢሩ ምስ ኣዀሰ
ቐራዕራዕ በለ ስብቆ እናተንፈሰ።

መርዓት ጐረቤት፤
ሳንዳይ! ሳንዳይ! ሰብ ጌርና ሰብ ጌርና
ዕበሶኦ ቁራዕ መዛረቢ ከይገብረና፤
ዘረባ ኣብ ከብዲ፤ ግዓት ኣብ ቁራዕ እንተዓበስና
አይወጽእንዩ ናይ ገዓት ምስጢርና
ተተንፈሰ ግዓት፤ ፍታሕ ነይኰነና
ሓዊ ነክያሉ፤ መንፊት ክደንኦ፤ ሰላም ክህበና።

መርዓት ገዛ፤
ኣትን ሳንዳይ! እንታይዩ ጉዱ፤ እንታይዩ ጉዱ
ኣብዛ ጸልማት ክረምቲ ሰብ ክፈልጠለይ
ሰብ ብዕሩቑ ክበልዕ፤ ግዓትክን ግዓተይ
ልጐም ዘይሕዞ፤ እዚ ቁራዕ ነቃዋይ
አፉ እንተሒዝካዮ ከብዱ አጉረምራማይ
ውሻጠ ዶ፤ ኣብ ጉብጥሽ ከእትዎ፤ ኣብ ናይ ጸልማት ቀላይ።

እቶን፤
ወይ ጉድ! ወይ ጉድ! መንከ ሓበረ
ረስኒ ቁራዕ ዝነደረ
ሙቐት ስብቆ ዝመረረ
ክልቲኡ እንተተራኸበ ዝነደረ
ሓቢእካ ጸቒጥካ ዘይብሉ ፍረ።

ውሻጠ፤
ሓርጭ ኣብ መቕሎ ቀጭቀጭ፥ ውልዕልዕ
ቁራዕ ኣብ ሓዊ ቐራዕራዕ
ስብቆ ከዕለብጥ ኣብ ቁራዕ
ገዓት ኣብ ጻሕሊ ክብላዕ
ወይ መርዑ! ወይ መርዑ! ጉድክን ይቀላዕ
መሰል ከሊእካዶ፣ ገዓት ይብላዕ
ክዛረብየ! ክዛረብየ! ኣይዕበስንየ ከም ቁራዕ።

ጋሻ፤
ኣቱም ገዛ፤ አቱም ዓዲ
ወፊርኩምዶ፤ ኣላ መርዓት ኣብ ንእዲ
ማይ ንጋሻ ምስጢር ንፈራዲ
እዛ ገዛ ኣላታ ሓዊ ምስ ነዳዲ
ተቐበልቲ ጋሻዶ ኣይነበርኩምን ኣቱም ዓዲ
ይገለጽ ምስጢር ውሻጠ-ከብዲ
ንመርዓትዶ ንቑራዕ ክሓሚ፤ ኣታ ገመል ዓንዲ
ሰብ ገዛ ጽሎትኩም ይስመረልኩም፤ ከይደ ለጋሳት ከናዲ።

መርዓት ገዛ፤
ኣንትን ሳንዳይ! እንታይ ደኣሎም ዝመስሉ ሓላያይ
ቀሺዲዮም ሸኽ ዝመስሉ ለማናይ
መሬት ከይረፈደ፤ በየን መጹ ገያሻይ
ግዓትና እኳ ዘይረኣይዎ፤ ሳላዚ ውሻጠይ
ንዕነ ድኣ ጠስሚ ከልሳለይ
ስብቆ ካብ ቁራዓ ፈላልያለይ
ወፋሮ ከይኣተዉ፤ ክብላዕ ገዓተይ
ንሓዋሩ ክሓብኦ እየ ምስጢረይ።

መርዓት ጐረቤት፤
ኣይፋልክን፣ ኣይፋልክን ሳንዳይ
ይትረፈና፤ ግዓትክን ግዓተይ
እዛ ገዛ ከይትተርፍ ዘይብላ ቀላባይ
ወሊድና፣ ከይዘመድና፤ ከይፈትሑና ሓሞይ
ቁራዕ ክፈትኦ፣ ኩና ሓላያይ
ስብቆ ቀጭቅጭኦ፣ ምሳሕ ንወፋራይ።

ሓርጭ፤
ወይ ኣነ ግዓት! መርዑት ክቕልብ
በብሓደ ወሎደይ፤ መቦቆሎይ ክጽብጽብ
ኣብ ጽግኢ ዝፍጠር ምስ ቅርኒብ
ተጻህየ ተሓዚኤ ዝሕብሐብ
ካብ ጭራሮን ቅሚጦን ኣብ ዓውዲ ዝቐርብ
ብተስታይ ቀላሳይ ምህርተይ ዝኽየድ፤ ዝኽበብ
ብንፋስ ብመስኤ ኣምዑታይ ክሕብሔብ
ጉርዲ ንበቕለ-ኣድጊ ምህርተይ ንሰብ
ቡቕቡቕ ንላም-ብዕራይ ፍረይ ዝቕለብ
ኣቦ ተወንዚፉ ይጽሊ፤ ጻማ ዓውዲ ክሓፍስ፤ ክእክብ
ኣብ ቆፎ ኣብ ሽርፋ ኣቲየ ክዕቀብ
ውይ ጉድ! ውይ ጉድ! ሽዑኡ እየ ብመርዓት ዝኽበብ
ሓረስታይ ክዓርቕ፤ መርዓት ትጸግብ
ወይ ዘመን፤ ወይ ግዜ ኢሉኒ ግንብንብ
ዘመን ይቀየር፤ ምህርተይ ንኽሉ ከዕግብ።

Author

Comments

  1. GeezWie

    ብሓቂ መሳጥን ሓዘል ውሽጣዊ ምስጢርን

Commenting has expired for this article.

← Older Newer →