| እዚ ጸወታ እዚ ንቖልዑት፤ ንዓበይቲ ከምእውን ንምሉእ ስድራቤት ከገልግል ዝኽእል መሃሪ ጸወታ እዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣበርክቶ ናይዚ ጸወታ እዚ ድማ ቖልዑትን ስድራቢትን ሓቢሮም ንኽጻወቱ ዓቢ ዕድል ይኸፍትን ይዕድምን። ብሓውሲ ጸወታ ኣቢሉ ድማ ስነ ጽሑፍ ግእዝን ቛንቛታት ኤርትራን ካልኦት ብፊደላት ግእዝ ዝጸሓፉ ቛንቛታት ይምህርን ምስኣቶም ንኽትላለ ዕድል ይህብ።
እዚ ናይ ስድራቤትን ቖልዑትን መሃሪ ጸወታ፣ ብመገዲ ምዝንጋዕ አበሉ እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ነጥብታት የኽስብ። ፊደላትን ስነ-ጽሑፍን ግእዝ ይምህር።ቛንቛታት ኤርትራን ክላኦት ብግእዝ ዝጽሓፉ ቛንቛታት ንምጽናዕን ንምምሃርን ይሕግዝን።ገለ ባህላዊ ጸወታታት ዞባታት ኤርትራ የላሊ።እዚ ጸወታ እዚ ካብ ኣበረክቶ ምዝንጋዕን ምጽዋትን ሓሊፉ ድማ ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ከባቢ ኤርትራ ንምፍላጥን ምስኣቶም ንምልላይን ባይታ ይኸፍት። ናይ ኤርትራ ሓጸርቲን፤ ኣፋዊ ልቢ ወለድን ጽውጽዋያትን ንምፍላጥን ንምዝካርን ይጠቅም።ባህላዊን ዘመናዊን ደርፍታትን መዛሙርን ንምድራፍን ንምዝማርን ይሕግዝ።
ብተወሳኺ እዚ መሃሪ ጸወታ እዚ፤ ነዞም ዝስዕቡ ንጥብታት ኣብ ምምዕባል ዓቢ ግደ ክህልዎ ኰሎ፤ ኣብኦም ዘሎካ ክእለት ንምግፋሕን ንምምዕባልን ይሕግዝን ይጠቅምን።
ኣትክሮን ኣድህቦን ኣብ እትመራመረሉወይ እትዛረበሉ ሓሳብ ንምብሳል ይጠቅም (concentration)። ሓሳባትካ ንምምዕራይን ንምእላይን ይሕግዝ (coordination) ክምእውን ንግብረ-መልሲ የማዕብል (reaction)
|